ብበረኸት ኪሮስን ካርላ ጂመነዝ-ማግዳለኖን
መዘኻኸሪ: ዓለም-ለኻዊ ለበዳ COVID-19 ነቲ ጸዓዱ ዘይኮኑ ሕብረተሰባት ዘጋጥሞም ዘይምዕርዩነት ኣጉሊሕዎ እዩ። ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ከምዚ ከጋጥም ምዃኑ ኣብ መጀምርያ 2020 ተገንዚቡ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ለበዳዊ ሕማማትን ጽፍሓዊ ዓሌትነንት ኣብ ዝደራረቡሉ እዋን ኩሉሳዕ ከምኡ ስለዘጋጥም። ካብ’ዚ ብምብጋስ - ከምኡ’ውን ርእይቶታት ንምፍላጥን ኣብ ኩሉ ክፍልታት ዝወርድ ጽልዋታት ንምምካትን – ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ለበዳ ንኮምዩኒቲታት እተማኽር ጉጅለ (a Pandemic Community Advisory Group) ተፈጢራ። ኣቃውማ ናይ’ዛ ጉጅለ፡ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ተመክሮ ኪንግ ካውንቲ ዘንጸባርቕ እዩ። መራሕቲ ኮምዩኒቲታት፡ ኣብያተ ንግዲ፡ ክፍሊ ትምህርትን ኮርፖረሽናትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብትካላዊ ስርዓት ናይ ዝተገለላ ኮምዩኒቲታት መራሕቲ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ናይ ጸለምትን ደቀባትን ጸዓዱ ዘይኮኑ ሕብረተሰባትን መራሕቲ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ዓሌትነት ህዝባዊ ቅልውላው ጥዕና እዩ” ተባሂሉ ምስተኣወጀ፡ ንኹሉ ዓሌታት ብማዕረ ዝጥምት ጸረ COVID-19 ግብረመልሲ ንምሃብን ንመሰረታዊ ጠንቂ ዓሌትነት ኣቓልቦ ሂብካ ፍታሕ ንምንዳይን ኪዳን ብምእታው ኣካል ናይ’ቲ Pandemic and Racism Community Advisory Group (ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ለበዳን ዓሌትነትን ናይ ኮምዩኒቲታት ኣማኻሪ ጉጅለ) ኮይኑ።
For ንበረኸት ኪሮስ፡ እዚ ዓመተ ዓለም-ለኻዊ ለበዳ ኣድካሚ እኳ እንተነበረ ዘገርም ግን ኣይነበረን።
ብገለ ሸነኻት፡ ኪንግ ካውንቲ ካብ ካልኦት ቦታታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፍለ ኣይኮነን። ኣብ መጀመርያ 2021፡ ክታበት COVID-19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ እቲ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ (ዳይቨርስ ኮምዩኒቲ) ዝነብረሉ፡ ደቡብ ኪንግ ካውንቲ፡ ዝለዓለ ጾር COVID-19 ዝተሰከመ ኣከባቢ ክነሱ፡ ብብዝሒ ጸዓዱን ሃብታማትን ዝነብሩሉ ቦታታት – ከም ብዓል ቫሾን ኣይላንድን ኖርዝ ስያትልን ዝለዓለ መጠን ብዝሒ ተኸተብቲ ነይርዎ። COVID-19 ኣብ ኪንግ ካውንቲ ኣትዩ ኣብ ዝተባህለሉ፡ እዚ ብተደጋጋሚ ዝርአ (ግን ከኣ ክውገድ ዝካኣል) ዓሌታውን ደርባውን ዘይምዕሩይነት ከጋጥም ምዃኑ በረኸት ተጸብይዎ ነይሩ። ግን ከም ኮምዩኒቲ ብሓፈሻ ሕብረተሰብና ብምዕሩይ ኣገባብ ናብ ንቡር ክምለስ ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ ኣለና ኢሉ ይኣምን።

በረኸት ቁሩብ ድሕሪ’ታ ናይ መጀመርያ ሕሙም COVID-19 ዝተረኽበላ’ዩ ናብ ናይ ኪንግ ካውንቲ Pandemic and Racism Community Advisory Group (PARCAG) ተጸምቢሩ። ጉጅለ PARCAG፡ ንዓለምለኻዊ ለበዳ COVID-19 ንዓሌትነንት ክገጥም ብመንግስቲን ኮምዩኒቲ-ዝመሰረተን ማሕበራትን ዝቖመ ሽርክነት እዩ።
በረኸት፡ ከም ኣቦመንበርን መስራትን Coalition of Immigrants, Refugees, and Communities of Color (CIRCC) ከምኡ’ውን ከም ኣቦመንበር COVID-19 Community Response Alliance (The Alliance— ልዕሊ 17 ዓሌታት፡ ባህልታትን ቋንቋትን ዝጠርነፈ ማሕበር) መሰረት፡ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ምቛም ኮምዩኒቲ ሒዙ እዩ ናብ PARCAG መጺኡ።
ምስ በረኸት ዝተራኸብኩሉ ምኽንያት፡ በረኸት ከም ኣባል ኮሚቴ PARCAG ዝቐሰሞ ተመክሮ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብኸመይ መገዲ ነዚ ዓለምለኸ ለበዳ ብመነጽር ጸረ-ዓሌትነት ብምጥማት ንክገጥሞ ከምዝሕግዝ ኣፍልጦ ንምቕሳም እዩ ነይሩ።
እዚ ቃለ መሕትት፡ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ምንጻርን ንውሕ ንዝበለ ኣብ ምሕጻርን ምምሕያሽ ተገይሩሉ እዩ።
ኣቶ በረኸት፡ ብዛዕባ ነብስኻ እንዶ ገለ በለና። ብኸመይ እዩ ተመክሮ ሂወትካ ናብ PARCAG ንኽትጽምበር መሪሑካ?
በረኸት ኪሮስ: ኣብ ኢትዮጵያ እየ ተወሊደ፡ ኣብ 1985 ናብ ሚልዋኪ ቅድሚ ምምጽአይ ከኣ ዝበዝሕ ዕድመ ንእስነተይ ኣብ ኤውሮጳ ካብ’ቲ ሓደ ናብ’ቲ ሓደ እናተጓዓዝኩ ኣሕሊፈዮ።
ኣብ ሚልዋኪ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝነበረ ወጥሪ ብጣዕሚ ዘሰምብድ እዩ ነይሩ። ገለ ካብ’ቲ ዝዝከረኒ፡ ሓደ ኤሽያዊ-ኣሜሪካዊ – ኣባል’ታ ስፖንሰር ዝገበረትኒ ማሕበር ካቶሊክ – መጺኡ ካብቲ መዓልቦ ነፈርቲ ናብ ጸለምቲ ብብዝሒ ዝነብሩሉ ኣካባቢ ወሲዱኒ። ኣብኡ ምስበጻሕና “ኣብ’ዚ ኣይክትነብርን ኢኻ!” ኢሉኒ። ን6 ኣዋርሕ ኣብኡ ስለዘቐመጠኒ ከኣ ብጣዕሚ ይስከፍ ነይሩ።
ኣሜሪካ ብስግኣት ተዓብሊላ ብምንባራ ክምለስ’ዶ ዝብል ሓሳባት ይቀላቐለኒ ነይሩ። እቲ ዝነበረ ዓሌታዊ ምፍልላይ (segregation) ክትኣምኖ ዘጸግም’ዩ። ካብ ኣሜሪካ ኣይወጻኹን ግን ክምሃር ኢለ ኣብ 1991 ናብ ስያትል መጺየ። ኣብ’ታ ዓመት እቲኣ እየ ኸኣ ማእከል ኮምዩኒቲ ትግርኛ ክህሉ ዝተመነኹ። ድሕሪ ምምጽአይ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ከኣ ሓንቲ ኣቑምና፡ ኣብ ስያትል ካብ ዝተመስራታ ኮምዩኒቲታ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ምዃና እዩ። ብንእሽተይ ብምጅማር፡ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት እናሃብና ምዕሩይ ናይ መንነት/ዋንነት ስምዒት ዝዓብየሉ ቦታ ከምዝህሉ ጌርና።
ኣብ ካልኦት ፕሮጀክትታት’ውን ብምስታፍ ማሕበር ዋሽንተን ኣፍሪቃዊ ሜድያ (Washington African Media Association) መስሪተ። ናይ ባዕልና መራኸቢ ብዙሓን እንተዘይብልና ምስ ኣባላት ሕብረተሰብና ምርኻብ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን። ብድሕሪኡ ን12 ዓመታት ምስ ምምሕዳር ከተማ ስያትል ሰሪሐ። ኣብ’ኡ እየ ከኣ ብዛዕባ “ማሕበራዊ ፍትሒ” ፍልጠት ዝቐሰምኩ። እዚ እዩ ከኣ፡ ናብ ትምህርቲ ንኽምለስ – ናይ MBA – እሞ ፍልጠተይ ተጠቒመ ድምጺ ሕብረተሰበይ ክኸውንን ንኻልኦት ኣርኣያ ብምዃን ከኣ ንኽሳተፉ ከተባብዕን ዝደረኸኒ።
ከም ኣባል PARCAG ለውጢ ክህሉ ኣብ እትጣበቐሉ እዋን፡ ውልቃዊ ተመክሮኻ ብኸመይ ይጸልዎ?
ኣብ ምብራቕ ከምኡ’ውን ምዕራብ ብዘሕለፍክዎ ዓመታት ዘጥረኽዎ ትዕዝብቲ፡ ኣብ ደቅሰብ ዝነበረኒ ኣጠማምታ ከምዝቕየር ገይሩ እዩ። ተሳትፎ ዘዕዝዝ ስራሕ ክሰርሕ ከምኡ’ድማ ናብ ሓደ ዘምጽኣና ሓባራዊ ረቛሒታት ኣብ ምልላይ ከተኩርን ሓጊዙኒ እዩ። ኣህዛብ ናይ ባዕሎም ድምጺ ክህልዎም ኣለዎ፡ ክስምዑ ድማ ኣለዎም።
ኣብ ምዕራብ፡ ለውጢ ከተምጽእ ምፍታን ዳርጋ ናብ ኲናት ትወፍር ከምዘለኻ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ።
ኣብ PARCAG፡ ባዕልና መን ምዃንና ክንገልጽ ኪንግ ካውንቲ ነጻ ገዲፉና እዩ። መብዛሕትአን ዓበይቲ ትካላትን ኮርፖረሽናትን ነብሰን ክገልጻ ዝኽእላ እየን። ክኢላታት ይልእካ፡ ዳህሳስ የካይዳ፡ ሕቶታት ይሓታኻሞ ንዓኻ ወኪለን ብዛዕባኻ ክኢላታት ኮይነን ይቐርባ። ከም’ዚ ኣገባብ ምኽታል ብዙሕ ኣይሓገዘን።
PARCAG፡ ናይ ኮምዩኒቲና መልእኽተኛ ኮይነ ክዛረብ ሓጊዙኒ። ናይ ክልቲኡ ወገን – ናይ ሓተትትን ተሓተትትን ልዝብ ከምዝህሉ ዝገበረ እዩ። ፓቲ ሀይስ [ናይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ሓላፊት ነበር] ናብ ኣኼባ ትመጽእ እሞ ናይ COVID-19 ሓበርቲ ነጥብታት ድሕሪ ምክፋል ገጢሙና ዘሎ ብድሆታትን ክቕጽል እንጽበዮ ኩነታትን ትገልጽ።
እዚ ጽቡቕ ተበግሶ እዩ፡ ምኽንያቱ PARCAG እንተዘይህሉ ኣብ ጥቓ’ዘን ዓበይቲ ትካላት ኮይንካ ክትስማዕ ኣጸጋሚ ምኾነ ነይሩ። እዚ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ስርዓትን ኣህዛብን ልዝብ/ርክብ ዝፍጠረሉ ናይ መጀመርያ ግብራዊ ስጉምቲ እዩ።
PARCAG ብኸመይ መገዲ መልእኽተኛ ኮምዩኒቲ ንኽትከውን ሃዋሁ ከምዝፈጠረልካ ኣብነት’ዶ ክትህበና ትኽእል?
ኣብ ፈለማ፡ ኪንግ ካውንቲ ኮነ ምምሕዳር ከተማ ስያትልን ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ዋሽንተንን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ምእካብ ሓበሬታ (ዳታ) COVID-19 ተስፋ ዘቑርጽ’ዩ ነይሩ።
ኣብነት ክኾነና፡ ኣባል SCAN study ኣብ ዝነበርኩሉ 17 ገጽ ዝሓዘለ ዳህሳስ ተዋሂበ። ብሰብ ዝተዳለወ’ውን ኣይመስልን – ብዛዕባ’ቲ መጽናዕቲ ክገልጸልካ/መገዲ ከትሕዘካ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ኣብ መጨረሻ ኸኣ እቲ ዘቕረብክዎ ውጽኢት ኣብ መደምደምታ ከብጽሕ ዘኽእል ኣይነበረን። ከም ተማሃራይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ነበር፡ እቲ መጽናዕቲ ንዓይ እኳ ዘጸገመንስ ንኻልኦት ድኣ ከመይ ክኸውን’ዩ! እዚ መጽናዕቲ ነተን ሕብራውያን (ጸዓዱ ዘይኮና) ሕብረተሰባት ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ እንተደሊኻ ቅልል ብዝበለ መገዲ ክቐርብ ይግባእ። ሓደ ካብ’ቲ ሽግር፡ መብዛሕትኦም ሓለፍቲ ናይ’ዚ መጽናዕቲ ጸዓዱ ብምንባሮም እዩ።
ኣባል PARCAG ብምንባረይ፡ ኣብ’ዚ ኣገባብ ምእካብ ሓበሬታ ዘለኒ ዕቃበ ብቐጥታ ንዶ/ር ጀፍ ዳችን ከቕርብ ክኢለ። ንሱ’ውን ነቲ ርእይቶ ተቐቢልዎን ካብኡ ዝበልጽ ስራሕ ክንፍጽም ንኽእል ምንባርና ተኣሚኑን። ዶ/ር ዳችን ነቲ ኩነታት ተገንዚቡ ምስ ዩኒቨርሲቲን ወከልቲ እቲ መጽናዕትን እናተራኸበ ለውጢ ንኽግበር ጽዒሩ። PARCAG እንተዘይነብር እዚ ለውጢ ኣይምመጸን ነይሩ።
ብኸመይ መገዲ PARCAG፡ ነቲ ምምሕዳር መንግስቲ ንለበዳ COVID-19 ዝህቦ ዝነበረ ግብረ-መልሲ ለውጢ ንኽገብር ጸልይዎ ትብል?
ለውጢ ቀስ ኢልካ እዩ። ንሕና ግን ዓቕሊ የብልናን። ካብ ትዕዝብተይ ለውጢ ቀስ ኢሉ ስለዝመጽእ ዓቕሊ ጌርካ ብቐጻሊ መጠኑ ዝሓለወ ድፍኢት ምግባር ይበልጽ።
ኣብ PARCAG ኩልና እንሰማምዓሉ ጽቡቕ መስመር ርክብ ከምዝህሉ ጌርና። መልእኽቲ ሕብረተሰብና ናብ’ቶም ኣብ ውሳኔ ጽልዋ ዘለዎም ከምዝበጽሕ ንገብር ኔርና። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ዓበይቲ ስራሓት ናይ PARCAG ነይሩ።
ከመይ ጌርካ ካብ ጽፍሒ ናብ ጽፍሒ ትሰጋገር’ውን ምፍላጥ የድሊ። ባጀት ከኣ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፡ ንለውጢ ምስ ባጀትካ ኣጣሚርካ እንተዘይርኢኻዩ (ባጀትካ ንለውጢ ኣብ ግምት ዘየእቱ እንተኾይኑ) ዝልወጥ ነገር ኣይክህሉን እዩ።
እቲ ዓለም-ለኻዊ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ናብ ኪንግ ካውንቲ ዝለኣኽክዎ ኢመይል፡ ነዘን ሕብራውያን (ዘይጸዓዱ) ሕብረተሰባት ንምሕጋዝ ዘኽእል መበቆል ሃገር ዘጠቓለለ (ኣብ ርእሲ ካልእ ረቛሒታት) ብቑዕ ሓበሬታ ክውሃበኒ ዝሓትት እዩ ነይሩ። እዚ ግን ነተን ብ COVID-19 ኣብ ሽግር ዝርከባ ኮምዩኒቲታት ብዘየግልል መገዲ ክኸውን ክኸውን ነይርዎ። ነዚ ሓበሬታ ኣብ ምጽናዕን ምግምጋምን ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባእ።
ኣብ PARCAG ብዙሓት ማሕበራት ኮምዩኒቲ ተወኪለን ብምህላወን፡ እዚ ጉጅለ ዓቢ ጽልዋ ክገብር ይኽእል እዩ።
ተመሪጾም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ጽን ኢሎም ይሰምዑና እዮም። ማሕበራትና ኣብ PARCAG ካብ ዝተጸምበራሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ስያትል ፋውንደሽን ይኹን ካብ ኪንግ ካውንቲ ብርክት ዝበለ መንቀሳቐሲ ዝኸውን ገንዘብ ክንረክብ ክኢልና። ሕብራውያን ኮምዩኒቲታት፡ መሳርሒ ገንዘብ ይኹን ምንጪ ካልእ ዓይነት ደገፋት ንኽረኽባ ድምጸንን መንኮርኮረንን ኴንና። እዚ ገንዘብ ንዓበይቲ ትካላት ዝዋሃብ ዝነበረ እዩ፡ ሕጂ ግን ኮምዩኒቲታትና ይቕበልኦ ኣለዋ።
መንግስቲ COVID-19 ንምምካት ዝህቦ ዝነበረ ግብረ መልሲን ናይ ሕብረተሰብ ድልየትን ኣይጋጠምን እዩ ነይሩ፡ ብዛዕብኡ’ዶ ገለ ምበልካና?
ገለ ካብቶም ኣብ ክንዲ ኮምዩኒቲታት እንጣበቕ ብወለንታና ደኺመ ከይበልና ጽዒርና። ነዚ ድማ ብውልቅና ስለዝኣመንናሉ ኢና ጌርናዮ። እቲ እንሰርሖ ስራሕ ግን ህዝባዊ ኣገልግሎት እዩ፡ ስለኾነ ከኣ ንመንግስቲ ክንሕግዝ ይድለ እንተድሃልዩ ዓስብና ክንክፈል ይግብኣና።
ሕብራውያን (ዘይጸዓዱ) ማሕበራትን ኣባላተንን ብዙሕ ተገዳስነት ስለዘለወን ከይተኸፍላ ነቲ ስራሕ ክፍጽምኦ እየን ዝብል ትጽቢት ኣሎ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ነዞም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣገልገልቲ መኽፈሊ ዝኸውን ባጀት ክስልዕ ይግብኦ። ስድራቤታትና ክንሕግዝ ስለዘለና። እመነኒ ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ እዩ።
በቲ ኮይኑ በቲ፡ ናብ ኮምዩኒቲ እተውዕሎ ዘበለ ኩሉ፡ ንመጻኢ እዛ ሃገርን መጻኢ እቶም እትፈትዎም ሕብረተሰብን ለውጢ ንምምጻእ ኢኻ እተውዕሎ ዘለኻ።
ድሕሪ’ዚ ዓለምለኻዊ ለበዳ እንታይ ክስዕብ/ክኸውን እዩ ኢልካ ትሓስብ?
ኣብ ዝቕጽል ዓመት እቲ መንግስቲ ድሮ እንታይ ከምዝስዕብ ተገንዚቡ ኣሎ፡- ንኮምዩኒታት ምጥባቕ። ለውጢ ንኸይግበር ዝዕንቅጽ ምንም ምኽንያት የለን።
ናይ ኣማኢት ዓመታት ጭቆና ብሓደ ሰሙን ወይ ሓደ ዓመት መፍትሒ ክረክብ እዩ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ግን ኣዎንታዊ ለውጢን ዝተማሓየሸ መስመር ርክብን ክንርኢ ንኽእል። ኣዎንታዊ ለውጢ ክብል ከለኹ ብመለክዒታት ዝተሰነየ፡ ገለ ተሓታትነት ዘርኢ ማለተይ እዩ። እቲ ዘምጻናዮ ለውጥታት ክንልክዖ ክንክእል ኣለና።
ብዙሕ ግዜ ኮምዩኒታት ነቲ ዝውሰድ ግብረ-መልሲ ክመርሕኦ ኣለወን ንብል ኢና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ጸረ-ዓሌትነት መሪሕ ክንከውን ይግብኣና ንብል ኢና። ብኸመይ ኣብ’ቲ ደረጃ ክንበጽሕ ንኽእል ኢልካ ትሓስብ?
ብሓባር ድምጽና ምስ እነስምዕ። ስለዚ እየ ድማ ምስ PARCAG ምስራሕ ዝፈቱ።
ንብዙሕ ዓመታት በብዘለናዮ ፋሕ ኢልና ነቲ ዘሎ ምንጭታት ደገፍ ክንረክብ ኣብ ሞንጎና ቁርቁስ ክንገብር ጸኒሕና። ሕጂ’ውን እንተኾነ ብሓባር ምስራሕ በዳሂ እዩ። ገለ ገለ’ውን እቲ መጠን ሕብረት ማዕረ’ዚ ዘለዎ ዓቢ ክኸውን ዘይደልዩ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ ዋላ ሕጂ ብዙሓት ኮምዩኒታት ዝሰምዐን ዘይብለን ኣለዋ። ስለዚ ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ።
ካብ ተመክሮኻ፡ ኮምዩኒቲኻ ብሓፈሻ እንታይ ክፈልጡ እዩ ድልየትካ? እቲ ካውንቲ’ኸ እንታይ ክግንዘብ እዩ ድልየትካ?
እዚ ዝዓቢ፡ ግን ከኣ ገና ኣብ መስርሕ ዘሎ ምዃኑ። እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ምክትታልን ምስዓብን ዘድልዮ ምዃኑ። እዚ፡ ውልዕ-ጥፍእ ዝብል ናይ ሓደ እዋን ጥብቅና ዘይኮነስ ክቕጽል ዘለዎ ምዃኑ። ገና ኣብ መፈለምታ ከምዘለና ምግንዛብ የድሊ።
ኣባላት ኮምዩኒተይ ከኣ፡ ስልጠና/ምኽሪ (መንተሪን) ኣገዳሲ ምዃኑ ክፈልጡ ይደሊ። ዓሌትነት ኣብ ዘሎ ሃልዩ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበራዊ ትካላት ሓደ ብሓደ ካብ ሱሩ ተላዒሉ ክእለ ከምዘለዎ ክግንዘቡ ይደሊ። ቀጻሊ እዩ። ንኾነ ስራሕ ቀጻልነት እንተዘይብሉ ኣብ ፍረ ኣይበጽሕን እዩ። ካብ’ዚ ሕጂ እንሰርሖ ዘለና ስራሓት፡ ገለ ገሊኡ ብሂወት ከለና ውጽኢት ክንርእየሉ ኢና፡ ገሊኡ ግን ንሕና ምስሓለፍና ናብ መጻኢ ወለዶ ዝቕጽል እዩ።